Kishore Kumar Hits

Jemal Romodan - Gezana - Eritrean Music şarkı sözleri

Sanatçı: Jemal Romodan

albüm: Best Of Jemal Romodan (Eritrean Music)


ከምዛ ቅጫ ዓተር፣ ብላዕሊ ይፈትወኪ
ከምዛ ጭልዖ ስርናይ፣ ኣመና ይሃርፈኪ
ገዛና ፍትውቲ፣ ናይ ቀደም፣ ናይ ጥንቲ፣ ወኒ ትቕስቅሲ
ኣይ ገዛና ሽፋን ኩሉ ኩለይ፣ ክዳን ግርማ
ኣይ ገዛና ወርቂ ሕፍሲ እንዲኺ፣ ናትና ጋማ
ወርሒ ኢኺ፣ ንልቢ ትትንክፍ
ኣይ ነገሰት ነገሰት፣ ገዛና ነገሰት
ውዑይን ዝሑልን፣ ርኢኺ ወጺኺ ዓቐበት
ጎልቢ ጥጥቖ ኢኺ ፣ ካብ መካነ-እሳት ውጻእ ዝወጻእኪ
ዓይነ-ብርከይ፣ ውሰድዮ ውሰድዮ
ዘይነዓኺ እንታይ ኣለዎ ዕዮ
ሕልምታተይ፣ ውሰድዮ ውሰድዮ
ዘይጽባቐኽስ እንታይ ኣለዎ ዕዮ
ኩሉ-ኹለይ፣ ውሰድዮ ውሰድዮ
ዘይነዓኺ እንታይ ኣለዎ ዕዮ
ምናተይ ምናተይ፣ ንስኺ ኢኺ
ዋካይ ዋካይ፣ ብርሃነይ ንስኺ
ገዛና ገዛና፣ ሓቛፊት ስምዒታትና
ኣብ ህላዌኺ ንነብር፣ ኣብ መኣድኺ ንደርር
ኣብ ራኢታትኪ ንሓልም፣ ኣብ ንእድኺ እወ ንዘልል
ኣድያም ኣድያም ገዛና፣ ተወሪቑ ኣሎ ዙርያኺ
ሰማይ በጺሑ ትስምኪ
ክኾነልኪ ክኾነልኪ፣ ትሓልምዮ ትሓልምዮ
ክኸደልኪ ክኸደልኪ፣ብፍኖትኪ ትሓስብዮ
መዝሙረይ፣ ንጉሆ ተንሲአ ዝደርፈኺ
ማህሌተይ፣ዓይነይ ዓሚተ ዝደግመኪ
ሽሻይኪ ሽሻይኪ፣ ከም ሑጻ ባሕሪ በዚሑ
ልዳትኪ ልዳትኪ፣ ቀርኒ-ሓርማዝ ኢዩ ሰቒሉ
ኣነ ዝብሎ ንስኺ ትብልዮ ሓደ
ንኽብረትኪ ኣለናልኪ

Поcмотреть все песни артиста

Sanatçının diğer albümleri

Benzer Sanatçılar