Tesfalem Arefaine Korchach - Sle Dekina şarkı sözleri
Sanatçı:
Tesfalem Arefaine Korchach
albüm: Siereki Alem
ኣብ ደገ ሰላም'ዩ ባህታ ይስማዓኒ
ናብ ቤተይ ክምለስ ዓቕለይ ይጸበኒ
ግደፊ'ባ ግደፊ'ባ ኣይትበድልኒ
በጃኺ'ባ ተለመኒ ተለመኒ
ንዒ'ባ ሰብ ኩኒ
♪
ክንዲ ዘሐንቀቕኩ ባህርያተይ ለዊጠ
ክንዲ ዝጸርኩኺ ታሕቲ ተጸቒጠ
በደልኪ ሰጊረዮ ኩራኺ መሊኸዮ
ግደፊ ግደፊ ጽልኢ ኔው በልዮ
♪
መዓስ ፈሪሐኪ ዘድንን ክሳደይ
እንታየይ ኮይናትኒ ዓለም ብዘይ ደቀይ
ምሳይ ከለዉ'ኳ ልበይ እናጸደፈ
ናበይ ክኸደልኪ'የ ፍዮረይ ገዲፈ
ስለዚ'የ ዝኽእለኪ
ኣብዛ ርእሰይ ዝሰቕለኪ
ናትና ጊዜ የለን ካብ ሎሚ
ንደቅኺ ኢልኪ'ሞ ሕለሚ
ክርድኣኪ'ዩ ሓሳበይ
ስለ ደቀይ ኢለ'የ ምንባረይ
ኣይውዳእን'ዩ ዓቕለይ ወለሎ
ካብዚ ዝኸፍእ'ውን እንተሎ
ስለ ደቀይ ኢለ ይቕበሎ
ካብ ደቀይ ተፈልየስ ነይክእሎ
♪
ኣብ ደገ ሰላም'ዩ ባህታ ይስማዓኒ
ናብ ቤተይ ክምለስ ዓቕለይ ይጸበኒ
ግደፊ'ባ ግደፊ'ባ ኣይትበድልኒ
በጃኺ'ባ ተለመኒ ተለመኒ
ንዒ'ባ ሰብ ኩኒ
♪
ክንዲ ዘሐንቀቕኩ ባህርያተይ ለዊጠ
ክንዲ ዝጸርኩኺ ታሕቲ ተጸቒጠ
በደልኪ ሰጊረዮ ኩራኺ መሊኸዮ
ግደፊ ግደፊ ጽልኢ ኔው በልዮ
♪
መዓስ ፈሪሐኪ ዘድንን ክሳደይ
እንታየይ ኮይናትኒ ዓለም ብዘይ ደቀይ
ምሳይ ከለዉ'ኳ ልበይ እናጸደፈ
ናበይ ክኸደልኪ'የ ፍዮረይ ገዲፈ
ስለዚ'የ ዝኽእለኪ
ኣብዛ ርእሰይ ዝሰቕለኪ
ናትና ጊዜ የለን ካብ ሎሚ
ንደቅኺ ኢልኪ'ሞ ሕለሚ
ክርድኣኪ'ዩ ሓሳበይ
ስለ ደቀይ ኢለ'የ ምንባረይ
ኣይውዳእን'ዩ ዓቕለይ ወለሎ
ካብዚ ዝኸፍእ'ውን እንተሎ
ስለ ደቀይ ኢለ ይቕበሎ
ካብ ደቀይ ተፈልየስ ነይክእሎ
Поcмотреть все песни артиста
Sanatçının diğer albümleri